Вход на сайт

Просмотр новости

Найдите то, что Вас интересует

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ምልዓል እገዳ”

Дата публикации: 06-05-2026 16:23:39

 ኣብ’ዚ፡ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳታት ንኽለዓል ስጒምቲ ናይ ምውሳድ ተገዳስነት ከምዘሎ ዝእመተሉ ዘሎ ህሞት፡ ንታሪኽን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ዕቱብ ገምጋም ምክያድ ኣገዳሲ’ዩ።  ኣብ መወዳእታ 2009፡ ኣብ ቅንያት ‘ክሪስማስ’፡ ምምሕዳር ኦባማ ዝፈብረኮን ዝደፍኣሉን፡ ዝዀነ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዘይነበሮ፣ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ዓላቚ እገዳ፡ ብስም […]

Основное содержимое страницы с новостью.

 ኣብ’ዚ፡ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳታት ንኽለዓል ስጒምቲ ናይ ምውሳድ ተገዳስነት ከምዘሎ ዝእመተሉ ዘሎ ህሞት፡ ንታሪኽን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ዕቱብ ገምጋም ምክያድ ኣገዳሲ’ዩ።

 ኣብ መወዳእታ 2009፡ ኣብ ቅንያት ‘ክሪስማስ’፡ ምምሕዳር ኦባማ ዝፈብረኮን ዝደፍኣሉን፡ ዝዀነ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዘይነበሮ፣ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ዓላቚ እገዳ፡ ብስም ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተበዪኑ። መጐታዊ ኲነኔና፡ ሽዑ ኣዊጅና።

እቲ ዝገርም፡ ሽዑ – ናይ ፈደረሽን ሩስያ ወኪል ኣብ ኒውዮርክ፡ ንናይ ምምሕዳር ኦባማ ዓሎቕ ብሙሉእ ኪድግፍ ከሎ፡ ናይ ቻይና ወኪል ከኣ ስማዊ ‘ኣብስተንሽን’ ኣብ’ቲ ግሁድ ዓሎቕ ኣመዝጊቡ።

ድሕሪ ናይ 9 ዓመታት ኣዕናዊ ሳዕቤናት’ቲ ዓላቚ እገዳ፡ ኣብ 2018 “እገዳ ይለዓል ኣሎ” ምስ ተባህለ’ውን፡ ዋላ’ኳ ደንጒዩ ዝመጸ እወታዊ ስጒምቲ እንተነበረ፡ “የቐንየልና” ኣይበልናን። ምእንቲ ሓቂን ፍትሒን ክረጋገጽ፡ “ብቐደሙ ስለምንታይ እገዳ?” ኪምለሽ ኢና ጠሊብና። ዛጊት ከኣ ኣይተመለሸን። ንሸባብ ዝድግፍ ዝነበረን ዘሎን መን’ዩ? ናይ ዓላቚ እገዳታት ተሓታቲ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቕረብ!

ከም መቐጸልታ ዝምቡዕ ሕርያታት፡ ምምሕዳር ባይደን ንኣመሉ፡ ኣብ 2021 ዓላቚ ዘይሕጋዊ በይናዊ እገዳታት ወሲኑ። ጭንቀትን ቅርሕንቲን ዘበገሶ ዓሎቚ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰዓቱ ኸኣ ተዀኒኑን ተመኪቱን።

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተበየነ ዘይሕጋዊን በይናዊን እገዳታት ኣብ ቀረባ ግዜ ክለዓል’ዩ ዝብል ጸብጻባት ኣሎ። እዚ ስጒምቲ’ዚ፡ ነቲ ግጉይ ፖሊሲታት ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

ሚኒስትሪ ዜና

 ኣስመራ

 6 ግንቦት 2026

Схожие новости

#Наименование новостиТональностьИнформативностьДата публикации
1ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ ሓሶት!021.2509-02-2026
2The Backdrop of Unwarranted Sanctions013.9606-05-2026
3False Accusations to Serve Ulterior Agendas016.0909-02-2026
4Hoax News Story on the Phantom “Eritrean Oil Tanker”018.4825-08-2026
5Walitti-bu’insa Dheessuun Namoonni Koremii fi Ofilaarraa Bu’qqa’an Gargaarsa Akka Argachaa Hin Jirre Dubbatan08.0624-05-2024
6Dura-taa’aan ABUT Dabre-Tsiyoon Gebre-Mikaa’el Kufaatii Hooggansa Dhaabichaa Mudate Furuuf, Yaa’iin Waliigalaa Barbaachisaa Tahuu Dubbatan010.9812-08-2024
7Itti fayyadama Bishaanii Kuusaa laga Abbayyaa Irratti Walii Galteen Jiru Hojii Irra ooluu Muummichi Ministeera Abiy Ahimed Beeksisaniiru07.7214-10-2024
8Gareewwan Walitti-bu’insa Sudaan Kibbaatti Hirmaatan Akka Wal-dhibdee Isaanii Mariin Furatan IGAD Hubachiise06.9612-03-2025
9Kanneen Yaa'ii Geggeessan Hoogganoonni Adda Bilisummaa Uummata Tigiraay Ibsa Kaabineen Bulchiisa Yeeroofii Naanichaa Baase Morman 07.8225-09-2024
10Getaachoo Raddaa Akka Yaa'ii Adda Bilisummaa Uummata Tigiraayitti Hin Hirmaanne  Beeksisan 05.4409-08-2024

Классификация: . Схожих патентов: 0. Схожих новостей: 10. Тональность: 0. Информативность: 18.7. Источник: shabait.com.